ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊጾም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ "ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ " ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ። ኤርትራ ንኲናት ዝዕድምን ልኡላውነት ዝትንክፍን ዝበለቶ ምንቅስቓሳት ኮኒና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ንምዕቃብ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ዘፍስሰሉ ዘሎ እዋን ዋጋ ብር ታሪኻዊ ውድቀት ኣመዝጊቡ። ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ።

Podden och tillhörande omslagsbild på den här sidan tillhör SBS. Innehållet i podden är skapat av SBS och inte av, eller tillsammans med, Poddtoppen.