SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Avsnitt

መንግስታት ፌደራን ክልል ትግራይን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። (ጸብጻብ)

Dela

ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብ ዘውጽኦ ሓዱሽ ጸብጻብ ገሊጹ። ወጻእተኛታት ኣብ አዲስ አበባ መንበሪ ገዛ ንምውናን እንተወሓደ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ክህልዎም ዝሕትት ሓዲሽ መምርሒ ወጺኡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ከረን - ቁጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ተባሂሉ። ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሰራዊታ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ክተጸንሕ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኪርዮ ኪዋኑካ ገሊጹ።

Podden och tillhörande omslagsbild på den här sidan tillhör SBS. Innehållet i podden är skapat av SBS och inte av, eller tillsammans med, Poddtoppen.